Tuesday , July 16 2024

ኩባንያ ብፍራይ መኻይን ቮልቮ ብስንኪ ዝተርኣየ ብልሽት ካብ መላእ ሽወደን ኣስታት 80,000 ክስሕብ እዩ።

ኩባንያ ምፍራይ መኻይን ቮልቮ ብስንኪ ኣፍሪያቱ ዝኾና መኻይን ኣጋጢሙ ዝበሎ ተክኒካዊ ብልሽት ብሓፈሻ ኣስታት ፍርቂ ምልዮን መኻይን ካብ መላእ ዓለም ሰማንያ ሽሕ ድማ ካብ ሽወደን ንዝያዳ ድሕነት ከምዝስሕበን ኣፍሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ዲዘል ሞተር ጉድለት ዝትረኣየልን ኮይነን ኣብ ከበድቲ ኩነታት ባርዕ ናይ ሞተር ከስዕብ ስለዝኽእል ሙኻኑ እቲ ኩባንያ ብምግላጽ ስጋብ ሕጂ ግን ምስዚ ዝተኣሳሰር ዘጋጠመ ሓደጋ ይኹን ካልእ ዝጊድ ከምዝይመጾም እዮም ዝገልጹ።

በዚ ዝተባህለ ብልሽት ዝተራእየለን መኻይን ካብ 2014 ስጋብ 2019 ዝፈርያ ኮይነን ሞደል V40, V60, V70, S80, XC60 ከምእውን XC90 እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com