Sunday , June 16 2024
Minister for Social Affairs Lena Hallengren (S) and Director General of the Public Health Agency of Sweden Karin Tegmark Wisell will hold a press conference today on COVID measures. Foto: Anders Wiklund / TT kod 10040

ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ፡ ምስክር ክታበት፡ ክሕተቱ እዮም

ካብ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ኩሎም ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ፡ ምስክር ክታበት ክሕተቱ ምዃኖም ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃለንግረን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብወገኑ፡ ዝጸንዑ ቀይድታትን መምርሒታት ኮቪድን ከተኣታቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቅድሚ ክሪስትማስ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ተወሰኽቲ ቀይድታትን መምርሒታት ኮቪድን ኣይክተኣታተዉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኩነታት ለበዳ እንተ ኸፊኡ ግን፡ ሰባት ናብ ስፖርታዊ ኣደራሻት፡ መዓስከራት፡ ዓበይቲ ውድድራትን ኣብያተ መግብታትን ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፡ ምስክር ክታበት ምሕታት ክጅመር ምዃኑ፡ ሃለንግረን፡ ኣፍሊጣ።

እቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ግን፡ ምስ ዝፈልጥዎም ሰባት ጥራይ ብምዃን፡ ጽምብላት ከሕልፉ እዮም።

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ንቀይድታትን መምርሒታትን ኮቪድ ብዝምልከት ሓድስቲ ቅጥዕታት ከቕርብ እኳ እንተኾነ ንጽምብላት ክሪስትማስ ግን ዝቕይድ ኣይክኸውንን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com