Tuesday , June 25 2024
Gilboa prison in northern Israel (AP Photo/Sebastian Scheiner) SEB103

ካብ ቤት ማእሰርቲ ጀልቡዕ ሃዲሞም ዝጸንሑ እሱራት፤ ተታሒዞም

እቶም ብዕለት 6 መስከረም፤ ካብ ኣብ ሰሜን እስራኤል ዝርከብ፤ ቤት ማእሰርቲ ጀልቡዕ፤ ሞሊቖም ሃዲሞም ዝጸንሑ 6 ፍሌስጤማውያን፤ ከም ዝተታሕዙ፤ ፖሊስ እስራኤል ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዞም ፍሌስጠማውያን እሱራት፤ ብትሕቲ መሬት፤ መተሓላለፊ ብምኹዓት፤ ካብ ቤት ማእሰርቲ ጀልቡዕ ከምልጡ ከምዝኸኣሉን፤ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ድማ ኣርባዕተ ካብቶም ዝሞለቑ እሱራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፤ ትማሊ ሰንበት ድማ፤ እቶም ዝተረፉ ክልተ፤ ኣብ ምዕራባዊ ኣጻድፍ እትርከብ፤ ጀኒን፤ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ተፈሊጡ።
ሓደ ካብቶም ኣምሊጦም ዝነበሩ እሱራት፤ መራሒ ጉጅለ ስዉኣት ኣልኣቕሳ፤ ዛካሪያ ኣልዙበይዲ፤ ምዃኑ፤ ሰብ መዚ እስራኤል ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com