ኣብ ሽወደን ካብ ብነፈርቲ ውሽጢ ሃገር ብባቡር ምጋሽ ብዋጋ ዝሓሰረ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ዘካየደቶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እታ ሬድዮ ን ሸሞንተ ሳምንታት 22 ሽሕ ዝኸውን ዋጋታት ኣየርን ባቡርን ድሕሪ ምምርማር እያ ነዚ ዳህሳስ ኣውጺኣ ዘላ። ብፍላይ እቶም ናይ ኢድ ሳንጣ ክትሕዝ ዘፍቅዱ ናይ በረራ ዋጋታት ምስ ዋጋታት ባቡር እንክወዳደሩ ኣዝዮም ዝኸበሩ ምዃኖም እታ ሬድዮ ኣጣሊላ’ላ።