Breaking News
STOCKHOLM 20210225 Betaltjänsten Klarna har vuxit under året. Bolaget redovisar totala intäkter på 10 miljarder kronor för 2020, mot 7,1 miljarder kronor 2019. Foto Carl-Olof Zimmerman / TT kod 12050

ክላርና፡ ንኣከፋፍላ ዝምልከት፡ ኣገደስቲ ምምሕያሻት ኣተኣታትዩ

ፋይናንሳዊ ናይ ዕድጊ ኩባንያ ክላርና፡ ንኣከፋፍላ ዝምልከት፡ ምምሕያሻት ከምዝገበረ ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኩባንያ ክላርና፡ ነቲ ገደብ ግዜ ዘይነበሮ ኣገባብ ኣከፋፍላ ከምዘቋረጾ ድሕሪ ምሕባር፡ ንኣከፋፍላ ዝምልከት፡ ገደብ ግዜ ክገብረሉ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ እቶም ዓማዊል፡ ካብ ነዊሕን ክቡርን ዝኾነ ናይ ምኽፋል መስርሕ ንኽድሕኑ ተባሂሉ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኩባንያ ክላርና፡ ነዚ ገደብ ዘለዎ ናይ ክፍሊት ግዜ ክገልጽ እንከሎ፡ ከም ኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ 5 ሽሕ ክሩነር እንተድኣ ተለቂሑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኽፈል ኮይኑ፡ ወርሓዊ 1 ሽሕ ክሩነር ምስ ውሑድ ዝኾነ ወለድ ክኸፍል ማለት እዩ። ከም ካልእ ኣማራጺ ድማ፡ ነዘን ዝተጠቕሳ መጠን ገንዘብ፡ ብውሑድ መጠን እናኸፈለ፡ ኣብ ውሽጢ 6 ዓመትን 10 ኣዋርሕን ክኸፍል ክኽእል እዩ። እዚ ግን ነቲ መጠን ወለድ ዘብዝሖ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኩባንያ ክላርና፡ ነቲ ቀዳማይ ምርጫ ክወስድ መሪጹ ኣሎ።

ክፍሊት ልቓሕካ፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜን ብንጹር ኣገባብ ኣከፋፍላን ንኽትግበር እዩ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ኣታኣታቲናዮ ዘለና ክብል ወግዓዊ በዓል መዚ እቲ ኩባንያ፡ ዴቪድ ፎክ ንኤክስፕረሰን ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

ናይ ነዊሕ ኣገባብ ክፍሊት፡ ንዓማዊል፡ ሰሓቢ ኮይኑ ክረኣዮም ይኽእል እዩ፡ እዚ ኣገባብ ግን፡ ዝያዳ ክፍሊት ዝሓትት ኮይኑ ንብዙሕ ኣዋርሕ፡ እቲ ትኸፍሎ መጠን ገንዘብ ከይጎደለ ዘቐጽል እዩ።