Tuesday , June 25 2024
Ethiopian military paraded during a demonstration in support of the Ethiopian army, which has been under pressure for some time by forces from the Tigray region, leading to abuses and harassment of ethnic Tigreans in the country.(AP Photo, File) NAI103

ክልተ ዜጋታት ሽወደን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም

ክልተ ዜጋታት ሽወደን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ንጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ከምዘረጋገጸ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

እዞም ክልተ ዜጋታት ሽወደን፡ ብኸመይን ስለምንታይን ከምዝተኣስሩ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ በዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዛራረብ ከምዘሎ ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ገሊጹ።

ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ትግራዎት፡ ሃድን ይካየድ ከምዘሎ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

በዚ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ዝኾነ ሽወደናዊ ዜጋ ክጽሎ ይኽእል እዩ ዝብል ኣፍልጦ ኣይነበረናን ክብል እቲ ሚኒስትሪ፡ ንጋዜጣ ዳገንስ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com