Wednesday , May 31 2023
Breaking News

ክልቲኦም ሽወደናውያን ኣሕዋት ን ሩስያ ሓበሬታ ከቐብሉ ምጽንሖም ተኣሚኖም።

ካብቶም ንሩስያ ሓበሬታ ትሸጡ ኔርኩም ተባሂሎም እተኸሰሱ ክልተ ሽወደናውያን ኣሕዋት፡ እቲ ዝነኣሰ ንሩስያ ጸጥታዊ ሓበሬታ
የቐብል ምንባሩ፡ በዚ ኸኣ በቲ ኤምባሲ ከም እተኸፍለ ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ተኣሚኑ።
ንሱ ሓንቲ ደብዳበ በቐጥታ ናብ ኤምባሲ ሩስያ ብኣካል ከም ዘብጽሐ፡ ካልእ ደብዳበ ኸኣ ናብ ኤምባሲ ሩስያ ይኸይድ ንዝነበረ
ዘዋር ታክሲ ከብጽሓሉ ብምግባር ሓበሬታ ከም ዘቐበለ ገሊጹ። ድሕሪዚ ኣብ ኡፕሳላ ካብ ዝርከብ ቤተንባብ ዓስቡ ከም እትቐበለ
ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ክልቲኦም ኣሕዋት ን ኤምባሲ ሩስያ ኣገዳሲ ሓበሬታ ከቐብሉ ምጽንሖምን ካብቲ ኤምባሲ ገንዘብ ከም
እተቐበሉን ነቲ ቤት ፍርዲ ናይ እምነት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ። እንተኾነ ግና እቲ ንእሽቶ ን ሩስይ ዝሸጦ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ
ብምግላጽ፡ ምንም ገበን ዘይምፍጻሙ ክሒዱ’ሎ።
ካብዞም ኣሕዋት እቲ ዝዓበየ ብ ገበን ስለያን ን ሩስይ ሓበሬታ ብምቕባልን ተኸሲሱ ንዕድመ ልክዕ፡ ምንኣሱ ኸኣ ን 9 ዓመትን
ዓሰርተ ወርሕን ማእሰርቲ ከም እተፈዱ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com