ኣገልግሎት ክሊማ ሽወደን –SMHI–፡ ኣብ ገማግም ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር (ወሽመጥ ቦትኒያ) ዝኽሰት ብርቱዕ ንፋስን ውርጪን ኣመልኪቱ፡ ብጫ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብዚ ብጫ መጠንቀቕታ ወጺእዎ ዘሎ ከባቢ፡ ክሳብ 30 ዝቚመቱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ። እዚ ን ኦርንሾልድቪስክን ኡምያን ዝሕውስ ካልኣይ ዝበርትዐ ውርጪ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካዚ፡ ካብ ሱንድቫል ክሳብ ሉልያ ዘሎ ሰፊሕ ከባቢ፡ ብጫ መተንቀቕታ ወጺእዎ’ሎ።
ኣብቲ ከባቢ ናይ ትራፊክ ሽግራትን ምትእጒጓልን ክኸሰት እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።