Wednesday , March 22 2023

ክሳብ 30 ሰ/ሜ ዝቚመቱ ውርጪ ኣብ ገማግም ሰሜናዊ ምብራቕ ክወርድ ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ።

ኣገልግሎት ክሊማ ሽወደን –SMHI–፡ ኣብ ገማግም ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር (ወሽመጥ ቦትኒያ) ዝኽሰት ብርቱዕ ንፋስን ውርጪን ኣመልኪቱ፡ ብጫ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብዚ ብጫ መጠንቀቕታ ወጺእዎ ዘሎ ከባቢ፡ ክሳብ 30 ዝቚመቱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ። እዚ ን ኦርንሾልድቪስክን ኡምያን ዝሕውስ ካልኣይ ዝበርትዐ ውርጪ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካዚ፡ ካብ ሱንድቫል ክሳብ ሉልያ ዘሎ ሰፊሕ ከባቢ፡ ብጫ መተንቀቕታ ወጺእዎ’ሎ።

ኣብቲ ከባቢ ናይ ትራፊክ ሽግራትን ምትእጒጓልን ክኸሰት እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com