መንግስቲ ኣብ ኣባይቲ ክንክን ወይ ኣብ ፍሉይ ኣባይቲ ዝቕመጡ ሽማግለታት ብዝቐልጠፈ ጸረ-ኮቪድ ክታበት ክወስዱ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ሸፈነ ክታበት ብዛዕባ ዝሰፍሓሉ ኣገባብ አመልኪቱ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጒዳያትን ህዝባዊ ጥዕናን ምስ ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ዝርርብ ምህላዉ ሚኒስተር ያቆብ ፎርስመድ ኣመልኪቱ። ኣብ ኣባይቲ ክንክን ጥዕና ዘለዉ ሽማግለታት፡ ምስቶም ዕድሜኦም ልዕሊ 65 ዝኾኑ ዝተረፉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምንጽጻር፡ ዝወሓደ ብልቃጣት ክትባት ምውሳዶም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
ኣብዚ ጒዳይ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ፡ ን ጅር ኦሚክሮን ክከላኸል ዝኽእል ግዜኡ ዝሓለወ ክትባት ምርካብ እዩ፡ ክብል ማሕበር ሰብ-መዚ ውሽጢ ሃገርን ዞባታትን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።