ቊጽሪ ናይቶም ብ ኮቪድ ተታሒዞም ናይ ነዊሕ እዋን ምልክታት ዘርእዩን ዝሳቐዩን ዘለዉ ሰባት ክንደይ ምዃኖም ማንም ኤጀንሲ መንግስቲ ሽወደን ከም ዘይፈልጥ ተገሊጹ። “እዚ ዓብዪ ሽግር እዩ” ክትብል ንባዕላ ግዳይ ኮቪድ ዝኾነት ምክትል ኣደመንበር “ማሕበር ኮቪድ ሽወደን” ኤማ ሞደርቶ ኣተሓሳሲባ።
“ነገራት ብኸመይ ከም ዝምዕብሉ እዂል ፍልጠት የብልናን፡ ኣብዚ ምምሕያሽ ክንገብር የድልየና’ሎ” ክብል ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና ያቆብ ፎስመድ ገሊጹ’ሎ።