Wednesday , March 22 2023

ክንደይ ዝኣኽሉ ብ ነዊሕ ምልክታት ኮቪድ ይሳቐዩ ምህላዉ ዝፈልጥ ኤጀንሲ ሽወደን የለን ተባሂሉ።

ቊጽሪ ናይቶም ብ ኮቪድ ተታሒዞም ናይ ነዊሕ እዋን ምልክታት ዘርእዩን ዝሳቐዩን ዘለዉ ሰባት ክንደይ ምዃኖም ማንም ኤጀንሲ መንግስቲ ሽወደን ከም ዘይፈልጥ ተገሊጹ።  “እዚ ዓብዪ ሽግር እዩ” ክትብል ንባዕላ ግዳይ ኮቪድ ዝኾነት ምክትል ኣደመንበር “ማሕበር ኮቪድ ሽወደን” ኤማ ሞደርቶ ኣተሓሳሲባ።

“ነገራት ብኸመይ ከም ዝምዕብሉ እዂል ፍልጠት የብልናን፡ ኣብዚ ምምሕያሽ ክንገብር የድልየና’ሎ” ክብል ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና ያቆብ ፎስመድ ገሊጹ’ሎ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com