Tuesday , July 16 2024

ክፍሊ መጓዓዓዝያ፡ ኣብ ፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና ዘታልሉ ሰባት ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ክውሰነሎም’ዩ።

ኣብ ክለሰ ሓሳባዊ ፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና ከም ዘታለሉ ዝተረጋገጸሎም ሰባት ናይ ማእሰርቲ ወይ ድማ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብያነሎም ምዃኑ ትካል መጓዓዝያ ሽወደን ገሊጹ። ነቶም መምርሒ ፍቓድ ደረጃ B ዝውንኑ ሰባት ዝምልከት ድማ ሓደስቲ ኣገባባት መርመራ ክተኣታቶ ምዃኑን ተግባራውነቱ ድማ ካብ ዕለት 1 መጋቢት ዝጅምር ኮይኑ እቲ ሰብ ድማ ቅድሚ ተግባራዊ መርመራ መምርሒ ፍቓድ ምውሳዱ እቲ ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ክሓልፍ ከምዘለዎ ዝግድድ እዩ። እዚ ሓዲሽ ኣገባብ፡ ነቶም ንመርመራ መምርሒ ፍቓድ ንኽሳተፉ ሪጋ ሒዞም ዘለዉ ሰባት ንኸቀላጥፍን ቁጽሪ ፈተናታት ከውሕድን ተስፋ ተገይርሉ ዘሎ ኣገባብ ምዃኑ ትካል መጓዓዝያ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com