Friday , July 12 2024

ኮሚሽን ምጽራይ ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣገባብ ኣማሃህራ ሃይማኖት ኣመልኪቱ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።

መንግስታዊ ኮሚሽን ምጽራይ ብዛዕባ ብግሊ ዝውነኑ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲን ንመጻኢ ከምዚ ዝበሉ ትካላት ንምቊራጽ ብዛዕባ ዝከኣለሉን ኣገባብ ዘጠቓልል ጸብጻቡ ሎሚ ምቕራቡ ተገሊጹ። ብመሰረት ስምምዕ ጥሪ ኣርባዕቲአን ሰልፊታት ሽወደን ምኽፋት ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ሃይማኖት ክእገድ ምውሳነን ዝዝከር እዩ።

እዘን ኣርባዕተ ሰልፊታት ውሳነአን ናብ በዓልሞያ ሕጊ እዛ ኮሚሽን ላርስ ኣርሄንየስ ምልኣኸን ድማ ተሓቢሩ። ሓደ ካብ ተልእኾታት እዛ ኮሚሽን ሕጋዊ ትርጓሜ ናይቲ ኲነታት ምምዕባል ኮይኑ፥ እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዓለማዊ ሸነኽ ኣገልግሎተን ብኸመይ ይግምገማ ዝብል ረቛሒ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com