Tuesday , June 25 2024

ዋሕዚ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ምውሳኽ ውዱብ ገበን ግደ የብሉን ተባሂሉ።

ፍርቂ ካብቶም ውዱባት ገበን ዝመርሑ ዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን ብክትትል ፖኪስ ካብ እተታሕዙን ውልቀሰባት ሽወደናውያን ምዃኖም ጋዜጣዊ መርመራ ኣረጋጊጹ። እዚ ብጋዜጠኛ ኤልስፕረሰን ፍሬድሪች ጆሾልት እተኻየደ ክትትል 15 ካብቶም 32 መራሕቲ ውዱባት ገበን ኣብ ሽወደን እተወልዱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ’ሎ።

ንሳ ኣብ መግለጺኣ እቶም ዝተረፉ ቅድሚ 20 ዓመታት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፥ ገሊኦም ከኣ ካብ ዓመተ 2000–2009 ምስ ስድራኦም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ እዮም ክትብል ኣመልኪታ። ኲሎም ካልኣይ ወለዶ ሽወደናውያን ምዃኖም ድማ ኣስሚራትሉ። በዚ ድማ ዋሕዚ ስደተኛታት ምስዚ ኣብ ሽወደን ዝረአ ዘሎ ምብዛሕ ውዱባት ገበነኛታት ምንም ምትእስሳር ከም ዘይብሉ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com