Tuesday , June 25 2024
The WHO gives an emergency approval to the vaccine Covaxin from the pharmaceutical company Bharat Biotech. ​(AP Photo/Anupam Nath) AXN106

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንክታበት ኮቫክሲን፡ ኣፍልጦ ሂቡ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ከም ናይ ህጹጽ እዋን ክታበት ንኸገልግል፡ ንፍርያት ህንዳዊ ኩባንያ ባሃራታ ቢዮቴክ ዝኾነ ክታበት ኮቫክሲን፡ ኣፍልጦ ከምዝሃቦ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

በዚ ድማ፡ ክታበት ኮቫክሲን፡ መበል ሻሙናይ ክታበት፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኮይኑ ኣሎ።

ንህጹጽ እዋን ተባሂሎም ብውድብ ጥዕና ዓለም ተፈላጥነት ዝረኸቡ ክታበታት፡ ንቀረብ ናይቶም ቀንዲ ጸረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝኾኑ ክታበታት ዘስፍሕ እዩ ክትብል ኣባል ው.ጥ.ዓ.፡ ማሪኤንጅላ ሲማው፡ ገሊጻ።

ብመሰረት ጸብጻባት ው.ጥ.ዓ.፡ ክታበት ኮቫክሲን፡ ክሳብ 78% ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንምኽዛኑ ውን ጸገም ዘይብሉ እዩ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ክታበት፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ነፍሰ ጾራት ዘለዎ ጽልዋ ዝሕብር ሰነድ ስለዘይብሉ፡ ው.ጥ.ዓ.፡ ንነፍሰ ጾራት ከይወሃብ መኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com