Breaking News
Iraqi Prime Minister Mustafa al-Kadhimi (AP Photo/Khalid Mohammed) DV504

ዒራቕ፥ ንሓላፊ ፋይናንሳዊ ጒዳያት ዳዕሽ፡ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር የእትያቶ

ዒራቕ፡ ካብ ዶባ ወጻኢ ኣብ ዘካየደቶ ስርሒት፡ ንሓላፊ ፋይናንሳዊ ጒዳያት ዳዕሽ፡ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዋ ገሊጻ’ላ።

እዚ ሳሚ ጃስም ኣልጃቡሪ ዝተባህለ ሰብ፡ ኣገልግሎት ሃገራዊ ጸጥታ ብዝገበሮ ዝተሓላለኸ ስግረ ዶባዊ ስርሒት ከም እተታሕዘ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሙስጣፋ ኣልኻዲሚ፡ ቦታ ከይጠቐሰ ኣብ ዝዘርግሖ ትዊተር ሓቢሩ።

ጃስም፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ኣቡበከር ኣልባቕዳዲ፡ ምክትል ምንባሩ እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ኣመሪካ ንጃስም ዘትሓዘ ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከም እትህብ ኣፍሊጣ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ጃስም፡ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ዳዕሽ ኣብ ምምሕዳር ዓብዪ ተራ ከም እተጻወተ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዳዕሽ፡ ንስፍሕ ዝበለ መሬት ዒራቕን ሶርያን ካብ ዝተቖጻጸረላ ዓመተ 2014 ኣትሒዙ፡ ነቲ ካብ ዘይሕጋዊ ንግድ ነዳዲ ዘይቲ፥ ጋዝን ጥንታዊ ቅርስታትን ዝርከብ ዝነበረ ሸርፊ ወጻኢ፡ ይቆጻጸር ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።