Sunday , June 16 2024
Tedros Adhanom Ghebreyesus, Director General of the World Health Organization (WHO) (Salvatore Di Nolfi/Keystone via AP) AMB802

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ንትግራይ ኣመልኪቱ፡ መተሓሳሰቢ ኣመሓላሊፉ

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (WHO)፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ሕቶ እኳ እንተቕረበ ናብ ትግራይ ሓገዝ መድሃኒት ከእቱ ተኸሊኪሉ ብምህላዉ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኸሲቱ ምህላዉ ጠቒሱ።

ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ንኸም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕማማት ዝኸውን መድሃኒት ከም ዘይብሎም ዝገልጽ ደብዳቤ ከም ዝበጽሖ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ እዚ ውድብ ገሊጹ’ሎ።

ዳይሬክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 14 ኣዋርሕ ናይ ኲናት እዋን፡ ኣብ ዕጽዋን ከባባን ምህላዉ ኣመልኪቱ። ትግራይ ናብ ምድራዊት ሲኦል እያ ተቐዪራ ዝበለ እቲ ዳይረክተር፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲነታት፡ ካብ ዝኾነ ካልእ ዓለም ዝተፈልየ እዩ፥ ከምዚ ዝበለ ኲነታት ስቕ ኢሉ ክቕጽል ምፍቃድ ምስ ሰብኣውነትና ዝሳነ ኣይኮነን” ክብል ኣጥቢቑ ኣተሓሳሲቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com