Breaking News
Scania was awarded SEK 866 million in short-term support Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

ዓሰርተ ኩባንያታት፡ 10% ካብቲ ናይ ኮቪድ ሓገዝ፡ ተቐቢለን

ዓሰርተ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ዓበይቲ ኩባንያታት፡ 10% ካብቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ ብመንግስቲ ዝተዋህበ ድጎማ፡ ዝተቐበላ ምዃነን ጸብጻባት ዳገንስ ኒሀተር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ታሪኽ ሽወደን፡ ዝዓበየ መጠን ድጎማ መንግስቲ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይ እዋን ኮቪድ ድጎማ፡ ንኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባትን 76 ሽሕ ኩባንያታትን ዝተዓደለ፡ 38 ቢልዮን ክሩነር ምንባሩ ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ።

ካብዚ መጠን ድጎማ፡ እቲ 3.3 ቢልዮን ክሩነር፡ ናብ ዓሰርተ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝተመቓረሐ ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።

ኩባንያ ስካንያ፡ 865 ሚልዮን ክሩነር፡ ኩባንያ መካይን ቮልቮ ድማ 530 ሚልዮን ክሩነር ብምውሓሰን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ተሰሪዐን ይርከባ።

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (Scandinavian Airlines)፡ 407 ሚልዮን ክሩነር

ቮልቮ ፓወርትረይን (Volvo Powertrain AB)፡ 301 ሚልዮን ክሩነር

ኩባንያ ህንጻዊ መሳርሒታት ቮልቮ (Volvo Construction Equipment AB)፡ 261 ሚልዮን ክሩነር

ኩባንያ ዓበይቲ መካይን ቮልቮ (Volvo Trucks Limited Liability Company)፡ 252 ሚልዮን ክሩነር

ስዌዳቭያ ስቶክሆሎም (Swedavia AB Stockholm)፡ 184 ሚልዮን ክሩነር

ሆቴላት ስካንዲክ (Scandic Hotels AB)፡ 169 ሚልዮን ክሩነር

ሳስ (SAS Ground Handling Sweden AB)፡ 167 ሚልዮን ክሩነር

ቮልቮ ቴክኖሎጂ (Volvo Technology AB)፡ 163 ሚልዮን ክሩነር

ዘውሓሳ ብምዃን፡ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዐን ይርከባ።