Friday , July 12 2024

ዛላታን ምስ ኢጣልያዊት ክለብ ኤሲ ሚላን ክጻወት ተሰማሚዑ!!

ወዲ 38 ዓመት ሽወደናዊ ዛላታን ኢቭራሂሞቪች ናይ ሰሪ ኣ ዓዲ ጥልያን ምስ ክለብ ኤሲሚላን ክጻወት ከምተሰማምዔ ሮይተር ሓቢሩ። ዛላታን ካብ ቡዙሓት ክለብ ኢንግሊዝ ጠለባት እዃ እንተመጾ ንሱ ግን ምስታ ካብ 2010 ስጋብ 2012 ዝተጻወተላን ኣብ ዓዘቕትን ዘላ ክለብ እዩ መሪጹ ከም ወትሩ ታሪኽ ንምስራሕ።

ዛላታን ምስዛ ኣብ መበል 11 ደርጃ ሰሪ ኣ ተሰሪዓ ዘላ ኤሲ ሚላን ሲጋብ ናይ መወዳኣታ ወቕቲ ክጻወት እዩ ተሰማሚዑ ከምዘሎ ወኪል እዚ ተጻዋታይ ማኖ ራኤላ ን ስውዲናዊት ጋዜጣ ኤክስፕረስ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com