Friday , June 14 2024
Zambian President elect Hakainde Hichilema addresses a press conference at his residence in Lusaka (AP Photo/Tsvangirayi Mukwazhi) XTM111

ዛምቢያ . . . ሃካይንዴ ሂቺሌማ ተዓዊቱ

ሃካይንዴ ሂሺለማ፡ ፕረዚደንት ዛምቢያ ኮይኑ ተመሪጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሃካይንዴ፡ ፕረዚደንት ዛምቢያ ንምኳን ንመበል ሻድሻይ ግዜ ከምዝተወዳደረን፡ ኣንጻር ፕረዚደንት ዛምቢያ ነበር፡ ኤድጋር ሉንጉ፡ ድማ ንሳልሳይ ግዜ ከምዝተወዳደረ ይፍለጥ።

59 ዝዕድሜኡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሕብረት ሃገራዊ ልምዓት፡ UPND፡ ብዝበዝሐ ድምጺ ከም እተዓወተ፡ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ብሰኑይ ምሸት ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ውጽኢት ምርጫ፡ ብዓርቢ ክፍለጥ እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሓደ ናይ ምርጫ ነቚጣ ዝነበረ ውጽኢት፡ ክፍለጥ ስለዘይተኻእለ፡ እቲ ውጽኢት ምርጫ፡ ክሳብ ሰኑይ ኣይተነግረን።

ሉንጉ፡ ኣብ ሬድዮ እታ ሃገር ቀሪቡ “ንሓወይ ሃካይዴ እንኳዕ ሓጎሰካ ክብሎ እደሊ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com