Thursday , April 25 2024

ኣብ ሽወደን ኣትከኽቲ ይውሕዱ – ሕሙማት መንሽሮ ሳንቡእ ግን ኣይንኪን ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ምስቲ ኣዝዮም ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ኣትከኽቲ ዝነበሩሉ ዓመታት 1960ታትን 70ታትን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝወሓዱ ኣትከኽቲ ምህላዎም ተሓቢሩ። እዚ ይዂንምበር ቁጽሪ ሕሙማት መንሽሮ ሳንቡእ ግን ልዑል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ብፍላይ ገለ ዓይነታት መንሽሮ ሳንቡእ ብጭቡጥ ከምዝወሰኸ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡሜዮ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብ መንጎ ምትካኽ ሽጋራን መንሽሮ ሳንቡእን ዘሎ ምትእስሳር ንጹር እዩ። እንተኾነ ግን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተሓሰበ ዝያዳ ዝተሓላለኸ …

Read More »

ኣብ ናይ ሓሶት ምርጫ ዘሎ ተገዳስነት የንቈልቊል

ኣስታት 420 ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ዝካየድ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ኤውሮጳ ተተሓሒዙ ናይ ተማሃሮ ናይ ሓሶትት ምርጫ ንምክያድ ተፈሪመን። እዚ ኣገባብ ካብ ዝሓለፈ ግዜ ምምሕያሽ እኳ እንተተገብረሉ ምስቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ 1,449 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተሳተፋሉ ሓፈሻዊ ናይ ሓሶት ምርጫ እንክወዳደር ዝተሓተ እዩ። “ንሕና ዕጉባት ኢና፡ ርግጽ’ዩ ዝያዳ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳተፋ ምደለና” ትብል ዋና ዳይረክተር ናይቲ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 04 ሚያዝያ 2024

Read More »

ህቦብላ በረድ ዓበዪ ጸገማት ትራፊክ የስዕብ

ትማሊ ሰሉስ ዝወረደ በረድ ኣብ ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ኣብ ጽርግያታት ዓበይቲ ጸገማት ኣስዒቡ። ኣብ ማእከላይ ደቡባዊ ሽወደን ካብ ዮንሾፒንግ ብሰሜን ሸነኽ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ E4 ፡ ዘሎ ምስጋድ ትራፊክ ክሳብ 25 ኪሎ ሜተር ይዝርጋሕ። “ኣብዘን ሰዓታት ክሰርሕ ትጽቢት ኣይነበረንን” ትብል መራሒት ሎሪ ኢቫ ኪንቶማ ካብ ካቢና ንሃገራዊት ሬድዮ ሽወደናዊት ቻነል P4 i Jönköping ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ።

Read More »

ባጤራ ኖርወይ መሊሱ ይደክም

ዋጋ ባጤራ ኖርወይ ክሮነር ኣብ መወዳእታ ​​በዓል ፋሲካ ምንቊልቋል ኣርእዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ምንቁልቋል ትማሊ ሰኑይ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ክፉት ኮይኑ ኣብ ዝወዓለሉ እዩ ተኸሲቱ። ገለ ፋይናንሳውያን በዚ ክስተት ንጸጋማይ ማእከል መንግስቲ ኖርወይ ይወቕስዎ ኣለዉ። ክሳብ ትማል ሰኑይ ምሸት፡ ሓደ ዶላር ኣመሪካ 10.96 ክሮና፡ ሓደ ዩሮ ድማ 11.77 ክሮና ተሸይጡ። ካብ ሎሚ መፋርቕ ንግሆ፡ ክሮነር ቁሩብ ሓይሉ’ኳ እንተነበረ፡ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ዋጋ ኣባይቲ የንቈልቊል

ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ዝሓለፈ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ዋጋታት ዝኣረገ ኣባይቲ ኣብ ኩባንያታት ኣባይቲ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት  ኣብ ቫንታ ብ 10.4%፡ ኣብ ሄልሲንኪ ብ7.1%፡ ኣብ ኦውሉ ድማ ብ 6.8% ከምዝወረደ ሓቢሩ። ሽዱሽተ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 6.1% ምንቁልቋል ክምዝገባ እንከለዋ፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 6.7%፥ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ዝርከባ ከባቢታት ግን …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ፊንላንድ ከተማ ቫንታ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቪርቶላ ተኹሲ ኣጋጢሙ።

ክፍሊ ፖሊስ ምብራቓዊ ኡሲማ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መኮንናቱ ቅድሚ ሰዓት 9.10 ንግሆ ኣብቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ከም እተረኸቡን፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ ድማ በቲ ተኹሲ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዘሎ ዘመልክት ተሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ YLE፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ሄልሲንኪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ’ሎ። በቲ ተኹሲ ሰለስተ ሰባት መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ይእመን ክብል ኣፈኛ ፖሊስ …

Read More »

ብዙሓት ካብ ሓድሽ ሕግታት ዕረፍቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነጻ ክኾኑ ይደልዩ

ኣስታት 100 ዝተፈላለያ ክፍልታት መንግስታዊ ጽላት ካብቲ ናይ 11 ሰዓታት ነዊሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ዝድንግግ ሓድሽ ሕግታት ነጻ ክኾና ኣመልኪተን፡፡ እዚ ማለት ​​ኣብቲ ጽላት ዝዋፍሩ ሰራሕተኛታት ኣብ መንጎ ዝተዘርዘሩ ፈረቓታት ናይ 11 ሰዓታት ዕረፍቲ የድልዮም ማለት እዩ። ርግጽ’ዩ፥ ኣገልግሎት ሄሊኮፕተርን መዕበዪ ህጻናትን ካብቶም ነጻ ዝኾኑ ሰባት እዮም። እዚ ሕድገት ናይ ምግባር ጒዳይ ብብዙሓት ሰራሕተኛታት ይጥለብ ምህላው እዩ ዝግለጽ ዘሎ። “ወይ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 02 ሚያዝያ 2024

Read More »

ኣገልግሎት ክሊማ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

ኣገልግሎት ክሊማ ሽወደን SMHI ኣብ ሰፊሕ ከባቢ ማእከላይን ደቡባውን ሽወደን በረድን ሓያል ንፋስን ክህሉ ምዃኑ ብምምልካት መጠንቀቕታ ኣውጺእ። እቲ ተመሓላሊፉ ዘሎ መጠንቀቕታ ብጫን ኣራንሺን እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ክሳብ 30 ሴንቲ ሜተር ዝርጒዱ በረድ ክወርድ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ኩነታት ኣየር ንጽርግያ ዘይምቹእ ክገብሮ ስለዝኽእል ፡ መራሕቲ መካይን ክጥንቀቑ ኣብ SMHI ክኢላ ሜትሮሎጂ ማግዳሌና ፎለስታድ ኣተሓሳሲባ’ላ

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com