Friday , July 12 2024

ዜግነት ሽወደን ንምውሳድ ቋንቋ ሽወደን ግዴታ ምፍላጥ፡ ንዝብል እማመ ወግዓዊ መርመራ ተጀሚሩ።

ዜግነት ሽወደን ክወሃቦም ንዝጠልቡ ሰባት፡ ቋንቋ ሽወደንን ባህልታትን ክብርታትን ማሕበረ ሰብ ሽወደን፡ ክፈልጡ ንዝግድድ ሕጊ ተኽእሎታት ተግባራውነቱ ንምልላይ ብመንግስቲ ደረጃ መርመራ ከም ዝጀመረ መደበር ሓበሬታ ሽወደን TT ሓቢሩ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መርመራ ብመሰረት ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ መንጎ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፍን፡ ሰልፊ ማእከልን ሊበራላዊ ሰልፊ ዝተገብረ ስምምዕ ዝትግበር ዘሎ እዩ። ነዚ ሓድሽ እማመ ንኽትምርምር ተመሪጻ ዘላ ኮሚቴ ናይ መወዳእታ ጸብጻባ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ክተቕርብ ትጽቢት ይግበር።

ብተወሳኺ እዛ ኮሚቴ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020፡ ብኸመይ ኣገባብ ቋንቋ ሽወደንን ባህልታትን ክብርታትን ማሕበረ ሰብ ሽወደን ምፍላጥ ፡ ዝብል እማመ ከተቕርብ እያ። ነቶም ኣብ ሽወደን ከቢድ ገበናት ዝፈጸሙ ሰባት ዜግነት ሽወደን ንኸይወሃቦም መንገድታት ምንዳይን ኣብ ልዕሊ ክብሪ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ገብናት ንኸይፍጸሙ ምክልኻል ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ኣብቲ መርመራ ዝተጸንበሩ እዮም። ቛንቋ ምፍላጥ መንገዲ ንስራሕ ምርካብን ናብ ማሕበራዊ ሂወት ምጽንባርን ምዃኑ ሓላፊ ኢሚግሬሽንን ፍትሕን ዝኾነ ሞርጋን ዮሃንሰን ሓቢሩ።

ናይ ሽወደን ዜግነት ካብቶም ናይ ኲናት ገበነኛታት፡ ከም በዓል ዳዒሽ፡ ዝኾኑ ሰባት ክምንጠል ዘኽእል ናይ ቅዋም ምምሕያሽ ፍቓድ ብዘይ ምርካቦም፡ ዓቃባውን ዲሞክራስያዊ ሰልፍታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተሪር ተቓውሞኦም ምክያድ ዘኽእል ፍቓድ ካብ መንግስቲ ብዘይ ምርካብ፡ ዓ ዓቃባውን ዲሞክራስያዊ ሰልፍታት ነቲ መንግስቲ ነጺግዎ ዘሎ ምምሕያሽ ቅዋም ብትሪ ከምዝድግፍዎ እዮም ዝገልጹ። እዘን ሰልፍታት ነቶም ገበነኛታት ኲናት፡ ከም ዕጡቓት ዳዕሽ ዝኣመሰሉ፡ ናይ ሽወደን ዜግነት ዝሓዙ ሰባት ዜግነት ክምንጠሉ ዘኽእል ምምሕያሽ ቅዋም ይጠልቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com