Saturday , August 13 2022
Fredrik Sandberg/TT

ዝሓለፈ ዓመት ናይ ምጓዓዝያ ባቡራት ብዙሕ ምግንጓይ ምርኣየን ተገሊጹ።

ዓሰርተክልተ ሚእታዊት ወይ ብሓርፋፍ ግምት 100 ሽሕ ዝኾና ባቡራት ልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ደንጒየን ወይ ጒዕዞአን ሰሪዘን ምንባረን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ ካብቲ ቅድሚ ዓሚ ዝነበረ ዝገደደ ምድንጓይ ዝተራእየሉ ምንባሩ ዝተመልከተ ኮይኑ ማሕበር ትራንስፖርት ሽወደን እዚ ኣብ ዓመተ 2019 ንኸይረአ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።

“በዚ ዘሎ ኣሃዛት ሕጒሳት ኣይኮንናን ብርግጽ። ካብቲ ኣቐሚጥናዮ ዘሎና ሽቶ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ኣብ 2020 ብግዜ ናይ ምርካብ ተኽእሎና ናብ 95 ሚእታዊት ክብ ከነብሎ ኢና ዝብል ሸቶ ሒዝና ” ይብል ሓላፊ ምምሕዳር ትራፊክ ኣብ ማሕበር ትራንስፖርት ሽወደን Roberto Maiorana::

ንሱ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃክ ዝሓለፈ ዓመት ዝወደቐ ብርቱዕ ውርጪን ኣዝዩ ብርቱዕ ሙቐት ሓጋይን ንምድንጓይ ባቡራት ይጸልዉ ዝነበሩ ረቛሒታት ምንባሮም ገሊጹ’ሎ።