Sunday , June 16 2024
An Italian police officer stands by a copy of the “Salvator Mundi” (Savior of the World) by Leonardo da Vinci, in Naples, Italy, Wednesday, Jan. 20, 2021. Italian police have recovered a copy of Leonardo da Vinci’s 16th century “Salvator Mundi” painting of Jesus Christ that was stolen from a Naples church without the priests even realizing it was gone. The discovery was made over the weekend when Naples police working on a bigger operation found the painting hidden in an apartment. Police chief Alfredo Fabbrocini said the owner offered a “less than credible” explanation that he had “casually” bought it at a small market. (Italian Police via AP) NAP101

ዝኸበረት ስርሓት ቅብኣ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ : ኣበይ ኣላ?

ምስ ስርቂ ቅብኣ እተተሓሓዙ ገበናት ኣብ ዝገርገሩሉ እዋን: ደሃይ ናይታ Salvatore Mundi (መድሓኒ ዓለም) ዝተሰምየት ቅብኣ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ: ኣዘራራቢ ይኸውን ከም ዘሎ ተመልኪቱ።

እዛ ኣብ ዓለም ዝኸበረት ስእሊ ብትእዛዝ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ተሓቢኣ ከም ዘላ ዝዛረቡ ኣለዉ። እዛ ስእሊ: ኣበይ ከም ዘላ ብርግጽ ዝፈልጥ የለን። ብርክት ዝበሉ ተዓዘብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምህላዋ ክገልጹ እንከለዉ: ገሊኣቶም ድማ ኣብ ዞባ ናጻ ቀረጽ ጀነቫ ወይ ኣብ ፍርቂ ቢልዮን ዝዋግኣ መዘናግዒት ጃልባ መስፍን እታ ሃገር ተቐሚጣ ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል ግምታቶም የቐምጡ ኣለዉ።

እዛ ናይ መወዳእታ ስራሕ ዳቪንቺ ምዃና እተነግረላ ቅብኣ: ኣብ 2017 ኣብ ዝተገብረ ጨረታ: ብ 450 ሚልዮን ዶላር ከም እተሸጠትን ገዛኢኣ ንመሓመድ ቢን ሳልማን ወኪሉ እዩ ሸሚትዋ ዝብል ሕሜታ ምጽንሑን ዝፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ሳምንቲ እተለቃ ክልተ ሰነዳዊ ፊልምታት: ኣብ ዙርያ እዛ ቅብኣ ዘሎ ሚስጥራት ኣመልኪተን ዘውጽእኦ ሓቂታት ኣዘራራቢ ምዃን ቀጺሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com