Wednesday , March 22 2023

ዝዓበየ ባንክ ኖርወይ DNB ኣብ ልቓሕ ትሕጃን ውህለላን ወሰኽ ወለድ ጌሩ።

ዝዓበየ ባንክ ኖርወይ–DNB–ወለድ ልቓሕ ትሕጃን ውህለላን ብ 0.25% ክውስኽ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ውሳነ ዝመጸ፡ ማእከላይ ባንክ ኖርወይ ዝሓለፈ ሰሙን ቀንዲ ወለዱ ክውስኽ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ብምኽንያት ወሰኽ ወለድ ማእከላይ ባንክ DNB ነዚ ብምስዓብ — ወሰኽ ወለድ ልቓሕ ትሕጃን ካብ ዝገበራ ዓበይቲ ባንካታት ኖርወይ ሓደ ኮይኑ’ሎ።

“በዚ ድማ ማእከላይ ባንክ ብ 15 ታሕሳስ ዝገበሮ ናይ 0.25% ወሰኽ ተኸቲሉ፡ DNB ኣብ ልቓሕ ትሕጃን ውህለላን ናይ 0.25% ወሰኽ ወለድ ጌሩ’ሎ” ክትብል ኢንገርድ ስፒተን ትማል ሰኑይ ገሊጻ’ላ።

 





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com