Friday , May 31 2024

ዞባ “ሳፕሚ” ብ ዓለማዊ ዋዒ ኣዝዩ ብኣሉታ ይጽሎ’ሎ።

“ፓነል ክሊማዊ ለውጢ ው/ሕ/ሃ” ንክሊማዊ ቅልውላው ኣመልኪቱ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ጸብጻቡ ዕላዊ ጌሩ። እቲ ትካል ኣብ
ጸብጻቡ፡ ህሉው ምፍናው ካርቦን ከምዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ፡ ዓላማዊ ዋዒ ካብቲ እተቐመጠሉ ሸቶ (ማለት 1.5 ºC) ክውስኽ እዩ
ክብል ኣተሓሳሲቡ። እዚ ብፍላይ ኣብ ተኣፈፍቲ ከባቢታት ዓለምና፡ እንተላይ ኣብ ዞባ ሳፕሚ (ሰሜን ሽወደን) ኣዕናዊ ሳዕቤናት
ክህልዎ እዩ ኢሉ’ሎ–እቲ ጸብጻብ።
እዚ እናኾነ፡ ኣማኻሪት ዘይመንግስታዊ ውድብ “ቆንስል ሳፕሚ” ሱዛን ኢዝራኤልሰን በቲ ዝወጸ ጸብጻብ ጓሂ ከም እተሰምዓ
ገሊጻ። "በዚ ስኑይ ዝወጸ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍርሂን ጓሂን ተሰሚዑኒ። ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ብዙሕ ንፈልጥ ክንስና
ዝሃብናዮ ግብረ መልሲ ግና ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ብዝቐልጠፈን ብውሕሉልን ኣገባብ ግብረ-መልሲ ክንህብ ከድልየና እዩ” ክትብል
ቀረታኣ ገሊጻ። ህሉው ዓለማዊ ዋዒ ኣብ ህይወት ህዝቢ ሳፕሚ ድሮ ኣዕናዊ ሳዕቤናት የኸትል ምህላዉ፡ ከምኒ ዓጋዜን ዝመሰሉ
ሃብቲ እቲ ከባቢ ኸኣ ሓደጋ ህላዌ ብቕድሚኦም ተገቲሩ ምህላዉ ሱዛና እስራኤልሰን ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።
ኣብ ዞባ ሳፕሚ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም ዝውክል ዝገልጽ “ውድብ ሳፕሚ”፡ ን ስሜን ሽወደን እውን ከም ዘጠቓልል
ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com