Wednesday , March 22 2023

ዩክሬይን ምስ ቤላሩስ ኣብ ዘዳውባ ከባቢ ምክልኻላ ተደንፍዕ።

ሩስያ ሓድሽ ወራር ክትከፍተለይ ትኽእል እያ ብዝብል ስግኣት፡ ዩክሬይን ምስ ቤላሩስ ኣብ ዘራኽባ ዶብ ምክልኻል ተደንፍዕ ምህላዋ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት እታ ሃገር የቨን የኒን ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ። ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ናብ ቤላሩስ ብምጒዓዝ ምስ መዘናኡ ኣለክሳንደር ሉካሼንኮ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ እዚ ምድላው ዩክሬይን ዝመጸ ክትብል ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ፑቲን ዶባት ሩስያ ብጥብቂ ክሕሎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኸኣ ካብ ከዳዓትን ሽርሐኛታትን ዝበሎም ሓይልታት ክጥንቀቑ መልእኽቲ ምትሕላፉ ዝዝከር እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ቤላሩስ ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ሩስያ ምስ ቤላሩስ ብምዃን ሓባራዊ ልምምድ ከካይድ ከም ዝኽእል ብ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ዝተዋህበ መግለጺ ነቲ ወጥሪ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ተመልኪቱ’ሎ።

ቤላሩስ ምስ ሩስያን ዩክሬይንን ናይ ሓባር ዶብ ዘለዋ ሃገር እያ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com