Friday , June 14 2024

“ደም ሃብ ሂወት ሃብ” ኤርትራዊ ሲቪካዊ ማሕበር ተራሑም ኦሮብሮ

ደም ሃብ ሂወት ሃብ  ብዝብል ቴማ ኣባላት ናይቲ ኣብ ከተማ ኦሮብሮ ዝርከብ ኤርትራዊ ሲቪካዊ ማሕበር ተራሑም ብዕለት  19/3/2020 ደም  ለጊሶም።

ደም ካብ ዝለገሱ ኣባላት እቲ ማሕበር

ብዝሒ ወለንታውያን ለገስቲ ደም እናወሓደ ብምምጽኡን፣ ኣንጻር ተላባዒ ሕማም ኮሮና ኣብ ዝግበር ርብርብ ተሳትፎኦም ንምዕዛዝን፣ ከምእውን ሽወደን እኹል ቀረብ ደም ንኽህልዋ ናይ ኩሉ ዜጋ ተሳታፍነት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ፣ ኣባላት እቲ ማሕበር  ምስ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ባንኪ ደም ብምስምማዕ ናይ ደም ምልጋስ መስርሕ አብ  ኦሮብሮ ሆስቢታል ከምዘካየዱ ሓለፍቲ እቲ ሲቪካዊ ማሕበር ናብ ኣልኮምፒስ ሚድያ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ ዝለኣኽዎ ጸብጻብ ገሊጾም።


በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ቀረብኦም ምስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ባንኪ ደም ብምትሕብባር ደም ክልግሱ ሲቪካዊ ማሕበር ምትሕግጋዝ ተራሑም ጻውዒት የቕርብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com