Sunday , June 16 2024
Smoke billows from the chimneys at Sasol Plant, a plant that produces petrol and diesel from coal, in Sasolburg, South Africa (AP Photo/Themba Hadebe)

ደቡብ ኣፍሪቃ . . . ቤት ፍርዲ፡ ዳህሳስ ነዳዲ፡ ደው ክብል ኣዚዙ

ኲባንያ መፍረ ነዳዲ፡ ሼል፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዝነበረ ዳህሳስ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክቋረጽ ከም እተገብረ ተገሊጹ።

ተጣበቕቲ ሓለዋ ኣከባቢ፡ እዚ ዳህሳስ ንማያዊ ህይወት እቲ ከባቢ ክሃሲ እዩ ብምባል ነቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ’ለዉ።

ኲባንያ ሼል፡ ብምኽንያት እዚ ውሳነ፡ ንዋኒኑ ከም ዝሰረዞ እኳ እንተገለጸ ሚኒስተር ጸዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ግና “ሃገርና ዘለዋ ሃብቲ ነዳዲ ከይትጥቀም ኮነ ኢልካ ዝዋደድ ዘሎ እዩ” ክብል ነቲ ውሳነ ብትሪ ነቒፍዎ’ሎ።

እዚ ኲባንያ ግቡእ መጽናዕቲ ከየካየደ እዩ ኣብ ዳህሳስ ተዋፊሩ ኔሩ ክብል ላዕለዋይ ዳኛ፡ ጀራልድ ብሎም፡ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

250 ኪሎሚትር ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ ምብራቓዊ ኬፕ ሓድር፡ ካብቶም ኣዝዮም ዝመልክዑ ባህርያዊ ቦታታት ምዃኑን ብበጻሕቲ ከም ዝምረጽን ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com