Breaking News
Denmark continues with its border controls (Finn Frandsen/ POLFOTO/ Arkiv)

ዴንማርክ፡ ክሳብ ዓመተ 2022፡ ዶባ ክትከታተል ምዃና ገሊጻ

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ምስ ሽወደን ዘረኽባ ዶብ፡ ክሳብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዓመተ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ክትከታተሎ ምዃን ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ይብል መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ስግኣት ናይቲ ብእስላማውያንን  ብእተወደቡ ጉጅለታት ገበንን ክመጻ ዝኽእል ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ምክትታል ዶባት፡ ኣብ ወቕቲ ቀውዒ ናይ ዓመተ 2019 ዝጀምረ ኮይኑ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዝተወደቡ ጉጅለታት ገበን ዘተኮረ ምክትታልን ምቁጽጻርን እዩ። እዚ ዝግበር ምክትታል፡ ንኹሎም ተጓዓዝቲ ዝምልከት ከምዘይኮነ ድማ ገሊጹ።