Friday , July 12 2024

ድሕሪ ብረግዚት (Brexit)፡ 4100 ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ናይ ሽወደን ዜግነት ረኺቦም።

ቁጽሪ ዜግነት ሽወደን ዝረኸቡ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዓመተ 2019 ናብ ሓድሽ ብራኸ በጺሑ። ካብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት’ዚ ጀሚሩ 4100 ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ዜግነት ሽወደን ከም ዝተዋህቦም ሬድዩ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን ኣስታት 30 ሽሕ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ይነብሩ። ቁጽሪ ናይቶም ዜግነት ሽወደን ዝሓቱ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ሃገሮም ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ክትወጽእ ካብ ትውስን ጀሚሩ መዓልታዊ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዓመት ዜግነት ሽወደን ዝተዋህቦም እንግሊዛውያን ካብቲ ኣብ ዓመተ 2018 ዝተዋህበ ኣስታት ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ። ኣብ ዓመተ 2018 ኣስታት 1400 እንግሊዛውያን ዜግነት ሽወደን ተዋሂቦም ከም ዝነበሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com