Tuesday , June 25 2024
Amal Clooney, right, and George Clooney (Photo by Joel C Ryan/Invision/AP) LENT112

ጆርጅ ክሉኒ. . . . “ስእሊ ናይ ደቀይ ከይትልጥፉ” ሓደራ

ህቡብ ተዋሳኣይ ፊልም ሆሊዉድ፡ ጆርጅ ክሉኒ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ስእልታት ናይ ደቁ፡ ካብ ምልጣፍ ክቚጠቡ ተማሕጺኑ።

ብፍላይ ምስ ስራሕ በዓልቲ ቤቱ ብምትእስሳር፡ ስእሊታት ምልጣፍ ንህይወት ደቁ ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ከም ዝኽእሉ እቲ ተዋሳኣይ ገሊጹ’ሎ።

በዓልቲ ቤቱ፡ ኣማል ክሉኒ፡ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኮይና፡ ግብረሽበራውያን ናብ ፍርዲ ንኽቐርቡ ከም እትሰርሕ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ Gravity ከምኡውን Oceans 11 ዝብላ ፊልምታት ብምውሳእ ዝፍለጥ ክሉኒ፡ ንሱ በዓልቲ ቤቱ ይዂኑ ደቁ ኣብ ዓይኒ ካሜራ ክኣትዉ ድሌት ከም ዘይብሉ እውን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ምሕጽንታ ክሉኒ፡ ኣብ ዝተፈላለያ መጽሔታት ኣመሪካ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ክሉኒን ኣማልን ወለዲ መናቱ ምዃኖም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com