Friday , July 12 2024

ገለ ኲባንያታት ኮምፕዩተራት ውልቀሰባት ይስልያ ኣለዋ ተባሂሉ።

ብርክት ዝበላ ኲባንያትት ሰባት ኣብ ኢንተርነት እንታይ ይገብሩ ኣብ ዝብል ጒዳይ ሓበሬታ ይእክባ ምህላወን ተገሊጹ። እዚ ጒዳይ ብስቱር ይካየድ ምህላዎም እውን ተገሊጹ። ነዚ ሓበሬታ ንኻልኦት ኲባንያታት ይሸጥዎ ምህላዎም እውን ማዕከን ዜና DN ገሊጻ።

እቲ ጒዳይ ብዛዕባ ፍሮሜን ፋየርፎክስን ዝጥቀሙ ሰባት ኮይኑ እቶን ሰባት ገለ መላጒም ምስ ዝጥውቑ ሓበሬታኦም ብምሉኡ ናብዘን ኩባንያትታ ከም ዝኣቱ እዩ ተመልኪቱ ዘሎ። ከምኡ ኢሎም ድማ ካልኦት ሰባት እንታይ ይርእዩን ይእልሹን ምህላዎም ቃልዕ ይገብራ። እዘን ኲባንያትት ዛጊት ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ምስላዮምን ዛጊት 40 ሽሕ ካብዚኣቶም ሽወደናውያን እዮም ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com