Sunday , June 16 2024
Dr. Anthony Fauci, director of the National Institute of Allergy and Infectious Diseases, speaks during the daily briefing at the White House in Washington, Wednesday, Dec. 1, 2021. (AP Photo/Susan Walsh) DCSW306

ጉዕዞታት በዓል ልደት: ንለበዳ ኦሚክሮን: ከጋድድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ብምኽንያት በዓል ልደት ዝካየዱ ጒዕዞታት: ንለበዳ ኦሚክሮን ክንህር ከም ዝገብር ሓደ ላዕለዋይ ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኣተሓሳሲቡ። እዚ ለበዳ እንተላይ ነቶም እተኸትቡ እውን ክጸሉ ይኽእል እዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

“ኦሚክሮን ፍሉይ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ክብል ኣንቶኒ ፋውቺ ትማል ሰንበት ምስ ፕሮግራም “ሚት ዘ ፕረስ NBC” ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ኣረዲኡ። ንሱ እዚ ሕማም ኣብ ኣመሪካ እንድሕሪ ተላቢዑ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ገዚፍ ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ። ኣብ ጒዳያት ለበዳ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነ ዶክተር ፋውቺ: እዚ ሕማም ናብ መላእ ዓለም ይላባዕ ምህላዉ ኣስሚርሉ።

እዚ እናኾነ: ሃገራት ነዚ ንምዕጋት ትርር ዝበለ መምርሒታት የተኣታትዋ ምህላወን እውን ተመልኪቱ። ዛጊት ኣብ ኣውሮጳ: ፈረንሳን ጀርመንን ናይ ጒዕዞ እገዳታት ከተኣታትዋ እንከለዋ ሆላንድ ኣብ እዋን ክሪስማስ ዕጽዋ ክትግበር መምርሒ ኣመሓላሊፋ’ላ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ: ሳልሳይ ዙር ክታበት ነዚ ሓድሽ ጅር ዘስዕቦ ጽንኩር ሕማማት 85% ከም ዝከላኸል ድሕሪ ዝወጸ ሓበሬታ: መንግስታት: ፕሮግራም ክታበት ክሳለጥ ይሰርሓ ምህላወን ተመልኪቱ።

ዶ/ር ፋውቺ: ዜጋታት ማስክ ብምውዳይን ርሕቀት ብምሕላውን ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩ ጻውዒት ጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com