Tuesday , June 25 2024
Moussa "Dadis" Camara speaks upon his arrival from exile in Conakry, Guinea (AP Photo/Algassimou Balde) NIN101

ጊኒ . . . ተቓዋሚ ሰልፍታት፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ክምስረት ይጽውዕ

ልዕሊ 100 ዝኾና ፖለቲካውያን ሰልፊታት ጊኒ፡ እቲ ኣብ መስከረም ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ስርዓት፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስ ድሌት ከም ዘለወን መራሒ ዋና ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ሴሉ ዳሌን ዲያሎ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ብእኩብ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምስግጋር ዘኽእል ናይ ግዜ ሰሌዳ ከም ዘቐመጣ ሓቢሩ’ሎ።

ቊጠባዊ ማሕበረሰብ፡ መንግስታት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኣ.ጎ.ዋ) ብወገኑ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምርጫ ክግበር ጠለብ ኣቕሪቡ’ሎ።

ፕረዚደንት፡ ኣልፋ ኮንዴ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምውራዱ፡ እቲ ውድብ ን ጊኒ ካብ ዞባዊ ቀጽሪ ኣደስኪልዋ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣመሪካ ን ጊኒ፥ ኢትዮጵያን ማሊን ብምኽንያት ጃምላዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብሰኑይ ካብ ኣ.ጎ.ዋ ክስረዛ ምግባራ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com