Tuesday , June 25 2024

ግሬታ ታንበርግ፥ “ስኮትላንድ መሪሕ ክሊማዊ ለውጢ እያ ኢለ ኣይኣምንን እየ” ትብል

ንክሊማዊ ለውጢ ብዝምልከት: ገለ ሃገራት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝሓሸ ዝምስገን ግብረመልሲ እኳ የርእያ እንተሃለዋ: በቲ ዝድለ መጠን እትርቋሕ ሃገር ግና ዛጊት ከምዘየላ:  ሽወደናዊት ኣክቲቪስት ክሊማዊ ለውጢ: ግሬታ ታንበርግ: ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣብ ስኮትላንድ ሓምላይ ሰልፊ ስልጣን ምጭባጡ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ “ብርግጽ ገለ ፖለቲከኛታት ካብ ገሊኦም ይሕረዩ እዮም” ኢላ’ላ።

ሓደጋ ክሊማዊ ለውጢ: ንሓደ ሰልፊ ድምጽኻ ስለ ዝሃብካ ጥራይ ዝውገድ ኣይኮነን፥ ዝበርትዐ ውሁድ ቃልሲ ዝሓትት ብድሆ እዩ ክትብል እውን ሓቢራ።

18 ዓመት ዝዕድሜኣ ግሬታ: “ትርጒሙ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ሰባት ሓምላይ ምድላዮም ንባዕሉ ገለ ተስፋ ዝህብ እዩ። እንተኾነ ግና ነዚ ሽግር ጨሪስና ንምፍታሕ ስርዓታዊ ዝኾነ ኣገባብ ከድልየና እዩ” ክትብል ን ቢቢሲ ኣብሪሃ።

መንግስቲ ስኮትላንድ: ነቲ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ “መሪሕ ሕጊ ንክሊማዊ ለውጢ” ኢሉ ሰይምዎ’ሎ። ብመሰረት እዚ ሕጊ ኣብ 2045 እታ ሃገር ዘለዋ ብጽሒት ካርቦናዊ ፈነወ 0% ከተውርዶ እያ። ሓላፊት ክሊማ UN ፓትሪሽያ ኤስፒኖዛ ነዚ ሕጊ ዘነቓቕሕ እዩ ክትብል ምንኣዳ እውን ዝፍለጥ እዩ።

ግሬታ: ኣብ ግላስሆው ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝካየድ ዘተ ክሊማዊ ለውጢ: COP 26: ኣመልኪታ ” ከም እትሳተፍ 100% ርግጸኛ ከም ዘይኮነት” ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ጒባኤ ውሑስን ዴሞክራስያዊን ምዃኑ ምርግጋጽ ከም ዘድልያ ወሲኻ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com