Saturday , June 3 2023

ግጥማት ቻምፒዮን ኤውረጳ ናይ ዙርያ ግጥሙ ዛዚሙ

ቻምፒዮን ሊግ ኤውረጳ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዝተሰላሰለ ናይ መወዳእታ ጸወታ  ናይ ዙርያ ግጥሙ ብምዝዛም ናብ ግጥም 16 ኣውድቕካ ምሕለፍ ሰጊሩ። በዚ መሰረት 16 ክለባት ኣብዝመጽእ ሰኑይ ዝኻየድ ዕጫ ኣውዲቅኻ ምሕላፍ ሰጊረን ኣለዋ። ኣብ ዙር 16 ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮን ሊግ እዚ ዝስዕብ ይክተል

  1. ቀዳመይቲ ኮይና ካብ ምድባ ዝዛዘመት ክለብ ምስ ካልኣይቲ ኮይና ዝወድኤት ብምምዳብ ካልኣይ እግሪ ጸወታ ኣብ ሜድኣ ትጻወት
  2. ክልተ ደቂ ሓንቲ ሃገር ዝኾና ክለባት ኣይራኸባን ወይ ኣይጻወታን
  3. ኣብ ሓደ ምድብ ዝነበራ ጋንታታት ውን ኣይራኸባን

በዚ መሰረት 4 ክለባት ኢንግሊዝ፣ 3 ክለባት ስጳኛን ጀርመንን፣  2 ክልተ ክለባት ጥልያንን ፈረንሳን፣ ዝተረፋ ክለባት ድማ ፓርቶ ካብ ፓርትጋል ኣያክስ ካብ ሆላንድ ብሙኻን ኣብ ዝቕጽል ብ ናይ ክልተ እግሪ ጸወታ ክራኸባ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com