Breaking News
A demonstration against Italy's strict workplace restrictions in Rome earlier in October. (AP Photo/Luca Bruno)

ጣልያን፥ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት: ዘንብዕ ጋዝ ተጠቂማ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ትርየስተ ዝተላዕሉ ሰልፈኛታት ንምብታን ፖሊስ ጣልያን:  ዘንብዕ ጋዝን ማይ ቱቦን ከም እተጠቀሙ ተገሊጹ።

እቶም ሰልፈኛታት: ኣብታ ሃገር ንዝተኣወጀ ሰራሕተኛታት ናብ ዕዮኦም ክዋፈሩ “ሓምላይ ፓስፖርት” ንኽሕዙ ዝድንግግ ሓድሽ ሕጊ ብምቅዋም እዮም ንጎደናታት ወጺኦም። እቲ ሓምላይ ፓስፖርት እቲ ሰራሕተኛ ተመርሚሩ ኣሉታዊ ውጽኢት ዘምጸአ፥ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓሚሙ ዝነበረ፥ ወይ ድማ ክትባት ዝወሰደ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ።

ሰልፈኛታት ትሬስተ: ነዚ ብምቅዋም “ሓርነት! ሓርነት! ዋልታኹም ኣንብሩ!” ዝብል ጭርሖ ኣጋዊሖም።

እዞም ተቓውምቲ እቲ ሕጊ ዝኾኑ ሰልፊታት: ካብ ዝወጸሉ ዓርቢ መዓልቲ ጀሚሮም: ዝካየዱ ዘለዉ ኮይኖም ኣሽሓት ሰልፈኛታት ናብቲ ብወደብ ዝወስድ መንገዲ ዓጽዮም ምውዓሎም ተፈሊጡ። ትማል ሰኑይ: ብፍላይ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ፊተፊት ምግጣሞምን ዘንብዕ ጋዝን ማይ ቱቦን ከም እተተኮሰሎምን ተፈሊጡ።