Friday , July 12 2024
Credit: Sofia Ekberg Ekendahl

ጥቓ ኦረብሮ ኣብ ዝርከብ መእለዪ ጎሓፍ ባርዕ ኣጋጢሙ

ባርዕን ምፍሳስ ሓደገኛታት ነገራትን ዘጠቓልሉ ልዕሊ 150 ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ኣብ መሳለጥያ ምእላይ ጎሓፍ ፎርቱም ኩምላ– ደቡብ ኦረብሮ– ተኸሲቱ። ቻነል P4 Örebro ሬድዮ ሽወደን ከም ዝሕብሮ፡ እዚ ፍጻመታት ኣብ ጥቓ እቲ ማእከል ምውጋን ዝነብሩ ሰባት ከይተሓበሩ እዩ ኣጋጢሙ። ጠበቓ ጥዕና ኣከባቢ ነበር ስቲፋን ካርልማርክ፡ እቲ ፍጻመታት ኣተሓሳስቢን ከቢድን ብምዃኑ፡ መርመራ ክካየድ ክርኢ ከምዝደሊ ገሊጹ’ሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሽወደን ኣብ ኦስተርጎትላንድ ንዝርከቡ ነርስታት፡ መሕረስቲ፡ ባዮሜዲካል ሳይንቲስትን ራድዮሎጂስትን ክወስዶ ዝሓሰበ ናይ ኣድማ ስጉምቲ ኣቋሪጹ። እዚ ውሳነ ኣብቲ ዞባ ብዘሎ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ዝወጸ ኮይኑ፡ እዚ ኣድማ ንሕብረተሰብ ሓደጋ ከምጽእ ብምባል ከም ዝወሰዶ እቲ ማህበር ገሊጹ’ሎ። ኣገልግሎት ምኽሪ ክንክን ጥዕና 1177 ሓዊሱ ካልኦት ሓያሎ ናይ ኣድማ ምልክታታት እውን ተሳሒቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com