![Vatican South Sudan](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2021/09/sdlAyPJvQgh6y0-nh-scaled.jpg)
FILE - In this March 16, 2019 file photo, South Sudan President Salva Kiir, left meets Pope Francis during their private audience at the Vatican. On Sunday, Nov. 10, 2019, Pope Francis said he intends to go to South Sudan, where efforts are underway to salvage a peace deal. (AP Photo/Alessandra Tarantino, Pool, file) ROM102
እዚ ስምምዕ ሰላም ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝተኸተመ ኮይኑ ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ግርጭት እታ ሃገር ክፈትሕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ምንባሩ እቶም ጳጳሳት ብምረት ገሊጾም ።
ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ግርጭት ተፈሊቱ፡ ክፍታሕ ክኽእል ኣለዎ፡ ክብሉ እዞም ጳጳሳት ብሊቃነ ጳጳሳት ጁባ፡ ስቴፈን ማርቲን፡ እተኸተመ ደብዳቤኦም ልኢኾም ኣለዉ።
መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ልባቶም ክልውጡን ንህዝቦም ነጻነት ከይከልኡን ድማ ተማሕጺኖም ኣለዉ። ኣብ ሃገርና፡ ዝነበረ ሲቪላዊ ናጽነት እናተሸምረረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኲሎም ድምጺታት መታን ክስምዑ፡ ናይ ምእካብ፥ ናይ ነጻ ፕረስን ምዝራብን ናጽነት ክኽበር ይግብኦ ክብሉ እቶም ጳጳሳት ብኣጽንኦት ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
ኣብዚ ኣኼባ፡ ኣምባሳደር ቫቲካን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን፡ በርት ቫን ሜጋን፡ ከምኡውን ሳልቫ ኬርን ማቻርን ከም እተሳተፍዎ ተፈሊጡ።