ሸታሕትሖ ጎደናታትን ጽርግያታትን ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ሽወደን ሽግር የስዕቡ ምህላዎም ተገሊጹ። “ብፍላይ ጎደናታት ኣዝዮም ሸታሕትሖ ይኾኑ ኣለዉ” ክትብል ኣብ ኤጀንሲ ክሊማ- SMHI- ክኢላ ኬትሮሎጂ ኤማ ሃረንስታም ኣመልኪታ። ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ጽርግያ ወዲቖም ናብ ክፍሊ ሓደጋ ህጹጽ እዋን ይመጹ ምህላዎም፡ እቲ ኤጀንሲ ኸኣ ነዚ ኣመልኪቱ ብርክት ዝበለ መጠንቀቕታ “ጸሊም በረድ” ምውጽኡን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።