Breaking News
A syringe is loaded with covid-19 vaccine.

ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,197,950 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  84.3% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቶም 79.1% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 6,752,103 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,159,560 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ኮይኖም፡ ነቶም 15 ሓደስቲ ሰባት ወሲኽካ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ 14,920 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ፡ ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።