Tuesday , April 23 2024
Credit: JANERIK HENRIKSSON / TT

ፊንላንድ፡ ትሕቲ ዕድመ መስተ ብመንጎኛታት ኣቢሎም ይረኽብዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።

መንእሰያት ፊንላንድ ዘህልኽዎ መጠን ኣልኮላዊ መስተ እናንቈልቈለ ምምጽኡ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ምስካር ዘሎ ኣጣምታ ኣሉታዊ
እናኾነ ምምጽኡ “ዳህሳስ ጥዕና ኣብያተ ትምህርቲ” ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ይዂንምበር፥ ኣብ 2021 ኣስታት 35% ካብ
ኮተቴ ተማህሮ ፊንላንድ መስተ ከም ዘዘውትሩን፡ 90% ካብዚ ኣልኮላዊ መስተ ብ መንጎኛታት ኣቢሎም ይረኽብዎ ምህላዎም፥
ካልኦት ድማ ካብ ስድራቤቶም ወይ ኣሕዋቶም ከም ዝረኽብዎን እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ኣረጋጊጹ።
"ትምህርቲ ዝዛዘመሉን ምረቓ ዝጽንበለሉን ግዜ ይቐርብ ኣሎ። ንገለ ሰባት ከምዚ ዓይነት በዓላት፥ ኣልኮል ንምህላኽ ከም
ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዮም ዝጥቀሙሎም። ንትሕቲ ዕድመ ኣልኮል ኣይንገዝእን ብምባል፥ ኣብዚ ጒዳይ ዘሎና መርገጺ እነርእየሉ
ኣጋጣሚ ክኸውን ይግባእ” ክትብል ክኢላ ማሕበር ፊንላንዳውያን ንምክልኻል ዕጸ-ፋርስ ሳሪ ኣንጀላ ገሊጻ።
"ን ቆልዑ ኣልኮል ምግዛእ፡ መስተ ምንም ሽግር የብሉን ዝብል ግጒይ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ብዘይካዚ፥ እቶም ቆልዑ
ክንደይ ዝኣክል መጠን ክሰትዩ ከም ዝግብኦም እውን ኣፍልጦ ስለ ዘይህላዎም፡ ምስ ብጾቶም ኮይኖም ብዘይጸገም ንኽሰትዩ
ምኽንይት ይኸውን ኣሎ” ክትብል ኣንጀላ ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብ ፊንላንድ ትሕተ ዕድመ ቆልዑ ብቐሊሉ ኣልኮላዊ መስተ ክረኽቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ሓደ ካብ ምንጪ እዚ ጸገማት እዩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ 2022 “ባህሊ መንእሰያትን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሳብስታንስ” ዝተባህለ ዳህሳስ፥ 67% ካብቶም ዕድሜኦም
ካብ 15 ክሳብ 25 ዝኾኑ መንእሰያት ትሕቲ ዕድመ ኮተቴ ኣልኮል እንተሰተየ ጸገም የብሉን ኢሎም እዮም ዝሓስቡ። ብዘይካዚ
ማሕበራዊ ሚድያ ከም መሻየጢ ኣልኮላዊ መስተ ብምዃን ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ምህላዉ ኣብቲ መጽናዕቲ ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com