ኣብ 2021 ኣብ ፊንላንድ 952 ሰባት ብሕማም ኮሮና ምሟቶም ስታቲስቲክስ ምዉታን እታ ሃገር ኣመልኪቱ። 200 ካብዞም መወትቲ በይካ ኮቪድ-19 ካልእ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።
“ኣስታት 40% ካብዞም ሕሙማት ሕማም ልቢ፡ 45% ከኣ ካንሰር ወይ ናይ ምዝካር ሽግር ዝነበሮም ምዃኑ” ኣብቲ ስታቲስቲክስ ነባር ክኢላ ኣይሪ ፓዩወን ገሊጹ።
ዝበዝሑ ካብዞም መወትቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 85 ክሳብ 89 ዝርከቡ ሽማግለታት እዮም ዝበለ ፓዩወን “እዚ ይዂንምበር ምስታ ቅድሜኣ ዝነበረት ዓመት እንክወዳደር ዕድመ መወትቲ ዝነኣሰ እዩ” ክብል ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።
ብዘይካዚ 6 ሰባት ኣካላቶም ንክትባት ኮቪድ-19 ስለ ዘይተቐባበሎ ከም ዝሞቱ ብተወሳኺ ተሓቢሩ’ሎ። እንተኾነ ግና ስም እቲ ኣፍራዪ ክትባት ኣይተጠቕሰን።