Tuesday , July 16 2024
LKS 20240617 LKS 20240505 Mielenosoittajat valmistautuivat perhemarssiin Palestiinan puolesta Helsingissä 5. toukokuuta 2024., LEHTIKUVA / JUSSI NUKARI

ፊንላንድ ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ክትህብ ጻውዒት ይግበረላ

ጥምረት ዘይመንግስታውያን ትካላት፥ ፊንላንድ ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ክትህብ ጸዊዐን። ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ኣስሚረናሉ። እዚ ምሕጽንታ ኣብ ቓዛ ቀጻሊ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እገዳ እስራኤልን ግብጽን ኣብ ዝግበረሉ እዋን እዩ ዝቐርብ ዘሎ። እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት ሓያሎ ህጹጽ ቀዳምነታት ብምጒላሕ፡ ዘላቒ ተኹሲ ደው ምባል ምርግጋጽ፡ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ፡ ከምኡ’ውን እስራኤልን ግብጽን ዝተገብረ ዘይሕጋዊ እገዳ ክለዓል ኣተሓሳሲበን ኣለዋ።

ኪኖ እዞም ቅጽበታዊ ስጉምትታት፡ እቲ ጥምረት፡ ንመጻኢ ደም ከይፈስስ ንምክልኻል ዝዓለመ፡ መሰረታዊ መሰላት ኩሎም ነበርቲ እቲ ዞባ ንምርግጋጽ፡ ጠንቂ ናይቲ ግጭት ምፍታሕ ከምዘድሊ ኣጽንኦት ሂበን ኣለዋ።

“ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ፡ ንኹሉ ነባሪ እቲ ከባቢ ናብ ሰላምን ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላትን ንምውሳድ ወሳኒ ስጉምቲ’ዩ” ይብል እቲ መግለጺ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ኣይስላንድ፡ ኣየርላንድን ስጳኛን ሓዊሱ 146 ሃገራት ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ነቲ ግጭት ፍትሓዊ መዕለቢ ክረክብ፡ ንኽልቲኡ ርእሰ-ውሳነን ሰብኣዊ መሰላትን እስራኤልን ፍልስጤምን ብምኽባር፡ ውሁድ መርገጺ ክሕዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይምጉት። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ኤሊና ቫልቶነን ኣብዚ ቀረባ እዋን ፊንላንድ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህበሉ እትኽእል ግዜ ሕጂ ከምዘይኮነ ገሊጻ’ላ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ስቱብ፡ ፊንላንድ “ኣብ ገለ እዋን” ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም እትህብ ኣመልኪቱ’ሎ። እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ዕድል ፍታሕ ክልተ ሃገራት ይዕጾን ህላወ ሕብረተሰብ ፍልስጤም ኣብ ሓደጋ ስለዘሎን፡ ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ግዜ ሕጂ ምዃኑ እየ ዝምጒታ።

ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ርእሰ-ሕርያኦምን ፖለቲካዊ መጻኢኦም ብናጻ ክውስኑን ምስ ጎረባብቶም ብሰላምን ብውሑስን መንገዲ ክነብሩ መሰል ኣለዎም። ብመሰረት እዚ መትከላት እቲ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ዝብል ኮይኑ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም፡ እንተላይ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሕን ከምኡ’ውን ሕብረት ኤውሮጳን ፊንላንድን ብሰፊሑ ዝድገፍ እዩ። እዚ ሰፊሕ ምርድዳእ እናሃለወ እስራኤልን ኣመሪካን ብታሪኽ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ክልተ ሃገራት ዝሓቖፈ ፍታሕ ንምትግባር ተቓዊመን እየን። እስራኤል ን57 ዓመታት ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ሓዊሱ ግዝኣታት ፍልስጤም ብምሓዝ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ 270 ሰፈራታት ብምቛም ነቲ መሬት ዝበታተኑን ንህላወ መንግስቲ ፍልስጤም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ተግባራት ክትፍጽም ጸኒሓ’ላ። እዞም ሰፈራታት ኣስታት 750 ሽሕ እስራኤላውያን ዝሓቖፉ ኮይኖም ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከም ዘይሕጋውያን እዮም ዝቑጸሩ።

ሕብረት ኤውሮጳን ፊንላንድን ነቲ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ብቐጻሊ ዝድግፋ ኮይነን፡ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ሓዊሱ ካብቲ ቅድሚ 1967 ዝነበረ ዶባት ወጻኢ ንዝገበሮ ግዝኣታዊ ሕቶን ምስፍሕፋሕን ኣፍልጦ ኣይህባን እየን። ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ሰፈራታት ከም ሓደጋ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ንምምዝጋብ እዩ ዝቖጽሮም። እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ሕጂ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ስልጣኑ ተጠቒሙ ነቲ ፍታሕ ንምስጓም ፍሉይ ዕድል ከምዘለዎ ይምጉት። ንሃለዋት ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ፖለቲካዊ መርገጺታትን ዕላማታትን ሕብረት ኤውሮጳ ንምስምማዕ ዝወስድ ስጉምቲ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ኣፍልጦ ኣዝዩ ምሳልያዊ ገዳስነት እኳ እንተለዎ እኹል ኣይኮነን።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ምስ ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ዝግበር ንግዲ እውን ደው ከብሎ ኣለዎ። ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ሃገራት ከም እስራኤል ዝፍጸም ከቢድ ምግሃስ ኣፍልጦ ከይህባ ወይ ከይድግፋ ይድንግግ እዩ ። ድሕሪ ምሕዋስ ክሪሚያ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንኹሉ ካብ ክሪሚያን ሰቫስቶፖልን ዝኣቱ ንብረት ኣጊዱ እዩ። ይኹን እምበር ካብ ሰፈራታት እስራኤል ንዝመጽእ ኣቑሑት ተመሳሳሊ እገዳ ኣይገበረን። እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ናይ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ፖሊሲኡ ብቐጻሊ ከተግብር ጻውዒት ጌረን ኣለዋ።

ብመንጽር እዞም ነጥብታት፡ እተን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ፊንላንድ ንሃገረ ፍልስጤም ኣብ ውሽጢ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ናይ 1967 ዶባታ ኣፍልጦ ክትህብ።

ኣብተን ዝተጎበጣ ግዝኣታት ፍልስጤም ምስ ዘይሕጋዊ ሰፈራታት እስራኤል ኩሉ ንግዲ ደው ከብል፣ ኣህጉራዊ ሕግን ፖሊሲታት ኣፍልጦ ዘይምሃብ ሕብረት ኤውሮጳን ከኽብር

ሕብረት ኤውሮጳ ነዞም ዕላማታት ዝድግፍ ውሁድ መርገጺ ክሕዝ ክትጒስጒስ

ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ንምሕላው ዘድሊ ኩሉ ስጉምቲታት ክትወስድ፡ እንተላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበርን።

እቲ ጥምረት እዚ ስጉምትታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንኽህሉ ኣበርክቶ ክህልዎም፣ መሰላትን ድሕነትን ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ዘረጋግጹ ክኸውን ተስፋ ክም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ—ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com