Wednesday , March 22 2023

ፋይናንሳዊ ምኽሪ ዝደልዩ ሰባት ይውስኹ።

ኣብ ገለ ምምሕዳራት ከተማ ዝርከቡ ኣማኸርቲ ባጀትን ዕዳን፡ በቶም ፋይናንሳዊ ጒዳያቶም ከካውኑ እተሸገሩ ዓማዊል ብዙሕ ጠለብ ይቐርበሎም ምህላዉ ገሊጾም። እዞም ዓማዊል፡ ዕዳኦም ተኾሚሩ ኣብ ዝኸፍአ ሽግር ከይወድቁ ብምባል እዮም ነዚ ጠለባት ዝገብሩ ዘለዉ። ኣብ ኲለን ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ኣማኸርቲ ዕዳ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፋይናንሳዊ ጒዳዮም ምድቕቓስ ንዝኣበዮም ካብ ምምኻር ኣትሒዝካ፡ ክሳብ ን ኤጀንሲ ዕዳ “ክሮንፎግደን” ናይ ዕዳ ምትዕርርራይ ክገብር ኣቤት ምባል ዝኸይድ ጭቡጥ ሓገዛት ከም ዝህቡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

“ኣብ ምጅማር ዝቕጽል ዓመት ኣዝዩ ዝለዓለ ጠለብ ክህሉ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎኒ” ክትብል ኣብ ሁዲንግ–ደቡብ ስቶክሆልም–ኣማኽሪት ባጀትን ዕዳን ኣና ሁዘል ገሊጻ’ላ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com