Breaking News
Facebook, Instagram and WhatsApp (AP Photo/Richard Drew) NYRD204

ፌስቡክ: ኣብ ልዕሊ መንእሰያት: ቀይዲታት ኣንቢሩ 

ፌስቡክ ድሕሪ ዝመጾ ወቐሳታት: ቆልዑ ኣብ ገጻቱ ብቀይዲ ዝጥቀሙሉ ኣገባባት የተኣታቱ ምህላዉ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ: ቆልዑ: እንድሕሪ ካብ ዝግባእ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ኢንስታግራም ግዜ ኣጥፊኦም ዕረፍቲ ንክወስዱ ዝጎጥዮም ፕሮግራም ክህሉ እዩ ክብል AP ሓቢሩ።

 

ብዘይካ’ዚ ወለዲ: ንንጥፈታት መንእሰያት ደቆም ክከታተሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ክህሉ ምዃኑ ገሊጹ።

 

ፌስቡክ ኣብ ቀረባ እዋን “ንቖልዑ ዝኸውን ኣገባብ” ከተኣታቱ እኳ ወጢኑ እንተነበረ ብሰንኪ ዘቐረብሉ ነቐፌታታት ክውዝፎ ከም እተገደደ ዝፍለጥ እዩ።