Friday , June 14 2024

ፌይስቡክ: ንመልእኽቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ: ካብ ገጻቱ ኣወጊዱ 

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵይ: ኣብይ ኣሕመድ: ንኣንጻር ጎነጽ ዝኾነ መትከል ፌይስቡክ ዝጻረር ኮይኑ ስለ እተረኽበ: ካብ ገጻቱ ክእለ ከም ዝገብረ ገሊጹ።

ኣብይ ኣሕመድ: ብሰንበት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ: ዜጋታት ኢትዮጵያ: ንተጻብኦ  ነቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጹ ዘምርሕ ዘሎ ህወሓት ክቐብሩ ጻውዒት ጌሩ ኔሩ። ንሱ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ እዞም ዕጡቓት ሓይሊታት ንኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ይመርሕዋ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጽ ኲሉ ዜጋ ብዂሉ ሕጋዊ ኣገባብ፥ ኩሉ ሓይሊን ኣጽዋርን ብምጥቃም ነቲ ኣሸባሪ ኢሉ ዝገለጾ ህወሓት ክቐብሩ ጻውዒት ጌሩ እዩ።

ብህወሓት ዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ስትራቴጂያዊ ኣገዳስነት ዘለወን ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽሩ ምእታዉን ነቲ ኲናት ፈጺሙ ዝቕይር ዓወታት ምጒንጻፉን ዝዝከር እዩ።

ፌይስቡክ ከም መሳወሪ ጎነጽን ጽልእን ክኸውን ዝተመስረተሉ መትከል ከም ዘይፈቅድ ብምግላጽ ነዚ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ካብ ገጻቱ ክኣሊ ሕጂ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com