Sunday , June 16 2024

ፍሩድ ሰራቂ ንጠበቓ ክቐትል ዝፈተነ ን 12 ዓመት ይፍረድ።

ቢሊ ሬሎፍ ኣስፒላጋ ዝተባህለ ዕሉል ሰራቒ ንላዕለዋይ ጠበቓ ሄንሪክ ኦልሶን ተኲሱ ክቀትሎ ብፍታኑ ዝተፈላለያ ማዕከና ዜና ሓቢረን። ድሕሪ እታ ቀዳመይቲ ጥይት ኣብ ከብዱ ዝቆሰለ ኦስሎን ሊሊያ፡በቲ ወዲ 54 ዝዕድሚኡ ገበነኛ ደጊሙ ስለዝተተኮሰሉ ፈተነ ቕትለት ምክ ምግባሩ ተፈሊጡ። ቢሊ ሪሎፍ ኣስፒ ኣቀዲሙ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ብስርቂ ከምኡ ድማ ኣብ 2004 ካብ ኩምላ ኣንስታልተን ዝተሰመየ ቤት ማሕቡስ ከምዝሃደመን ብፈተነ ቅትለት ኣብ ዝተከሰሰሉ ድማ “ኣይውዓልክዎን” ብምባል ክሕብር ምጽንሑ ተፈሊጡ።ይኹን ምበር ፖሊስ ብዘካየድዎ ክትትልን መርመራን ፡ኣብ’ቲ ክሱስ ከምዝነበሮ ዝተኣመነሉ መደየቢ ኣስካላ፡ናይ ዲ.ኤን.ኤ(DNA)መርመራ ክሱስ ብምዝማድ ክረክብዎ ምኽኣሎም ሓቢሮም። በዚ መስረት ክሱስ ን 14 ዓመት ክፍረድ ከሎ፣ ክሱስ ቢሊ ወሲኩ”ክፈራርሆ ምበር ክትኩሰሉ ሓሳብ ኣይነበረንን” ብምባል ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ከምተኣመነ ተረጋጊጹ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com