Thursday , October 5 2023
Breaking News

ፍቕሪ ወዲ 36 ዓመት ፍልስጤማዊ ስደተኛ ምስ ጓል 79 ዓመት መምህሩ

ፍቕራዊ ህይወት ወዲ 36 ዓመት ፍልስጤማዊ ስደተኛን ጓል 79 ዓመት ኣፍቃሪቱን ሕጋዊ ዕንቅፋታት ይሰግር።

እዚ ሓምዛ ዳሊስ ዝተባህለ ፍልስጤማዊ ምስዛ ጡረተኛ ጓል 79 ዓመት ሚልዮኔር እዩ ኣብ ፍቕሪ ወዲቑ ዝርከብ። ምንጪ ሃብቲ እዛ ኣዛውንቲ ዘይንቀሳቐስ ንብረት( real estate) እዩ።

እዚ ፍቐራዊ ርክብ ሓምዛ ተመሃራይ Ola Simson ኸኣ መምህሩ ኣብ ዝነበረትሉ እዩ ጀሚሩ። እዚ ፍቕራዊ ርክብ መርዓ ዝዕንቅፉ ሕጋዊ መሰናኽላት ብምእላይ ሕጂ ድሕሪ ሰለሰተ ዓመት ኣብ ዓወት በጺሑ’ሎ።

ፍቕሮም ኣብ ሚያዝያ 2015 እዩ ጀሚሩ። ክምርዓዉ ብዝነበሮም ባህጊ ኸኣ ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኣመልኪቶም።

Ola ንኣርብዓ ዓመት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ጸኒሕ በዓል ቤታ ምስ ሞተ ህድእ ዝበለ ብሕታዊ ህይወት እያ ትመርሕ ኔራ።

ሓምዛ ኣብ 2014 ናብ ሽወደን ኣትዩ ኣብ Kungsmarkskyrkan ቋንቋ ሽወደን ኣናተማህረ እዩ እዚ ናይ ቋንቋን ፍቕርን ኣጋጣሚ ብሓባር ከስተማቕር ዕድል ዝረኸበ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com