Wednesday , March 22 2023

ፕረሲደንትነት ሽውደን ክሳብ 1.25 ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ከም ዝሓትት ተገሊጹ።

ዋጋ ፕረሲደንትነት ሽወደን ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ቆንስል ሚኒስተራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብጠቕላላ 1.25 ቢልዮን ክሮና ከም ዝኸውን ተገሊጹ። በዚ ድማ፡ ሚኒስተራት ሽወደን ን ኣባል ሃገራት ብምውካል ን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ውሽጢ ሽወደንን ብራስለስን ን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክመርሕዎ እዮም።

ኣባል ሰልፊ ሞደራትና ከምኡ’ውን ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ጀሲካ ሮዝዋል እዚ ናይ ቢልዮን ክሮና ዋጋ ግቡእ እዩ ክትብል ገሊጻ’ላ። እዚ ገንዘብ ንዝካየዱ ኣኼባታት፡ ከምኡ’ውም ንምሕያል ሰራሕተኛታት እዚ መዝነት ከም ዝውዕል እውን ጠቒሳ’ላ። ሽወደን ንኣውሮጳዊ ሕብረት እትህቦ ባጀት ካብቲ ፊንላንድ ኣብ 2019 ዝሃበቶ ዝውሕድ ምንባሩ ኣቐድም ኣቢሉ ዝወጸ ጽሑፍ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ሓቂ ግና ሽወደን እትህቦ ባጀት ካብ ናይ ፊንላንድ ከም ዝዓቢ ሬድዮ ሸወደን ጸብጺባ’ላ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com